ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ- ትምህርቲ 2016/2017 ልዑል ነጥቢ ንዘምጸኣ 570 ተማሃሮ ኣተባቢዑ።

ካብተን ንሽልማት ዝበቕዓ ተመሃሮ፡ እተን 37 – ካብ 96 ክሳብ 99.2 ሚእታዊት ነጥቢ ዘመዝግባ እየን።

በብከባቢኡ ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት፡ ወከልቲ ሃማደኤ ኣብ ዘስምዓኦ ቃል፡ ሃማደኤ ኣብ ርእሲ’ቲ ቁጠባዊን ሞያውን ዓቕሚን ብቕዓትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ተሳታፍነትን ተወዳዳርነትን ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ኣካዳሚ ክብ ንምባል እውን ከምዝሰርሕ ጠቒሰን፡ ምሽላም ኣብነታውያን ተመሃሮ ናይ’ዚ ኣብነት ምዃኑ ገሊጸን።

ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ብወገኖም፡ እተን ተመሃሮ ረኺበናኦ ዘለዋ ነጥቢ ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒመን፡ ርእሰ- ተኣማንነት ብምዕባይ ኣብ ዝቕጽል ጉዕዞ ትምህርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ተወዳደርትን ብሉጻትን ክኾና ጻዕረን ከሐይላ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባላት ሃማደኤ ኣብ ህግደፍ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መርሓኖ ኣብ መደባት ልምዓት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምኽልኻል ናይ ምዝንጋዕ መደብ ወዲበን።

Categories