ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ኣፍልጦ ኣባላቱ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ትምህርቲ ንምብራኽ፡ ተመኲሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጒዕዞ ትምህርቲ ንምቕሳም፡ ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ብድሆታትን ኣገባባት ኣፈታትሓኦምን ሓባራዊ መረዳእታ ንምዂስኳስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣተኣላልያ ተመሃሮ ዝጸንሐ ርድኢት ንምምዕባል ዝዓለመ ሰሚናር ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብ12 መጋቢት ንሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ዝተዋህበ ሰሚናር፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ብዛዕባ “ተመኲሮ ሃገራት ኣብ ኣቕርቦት ትምህርቲ” ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተመኲሮ ፊንላንድ፡ ኮርያ፡ ፖላንድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሰኔጋልን ሆንኮንግን ብምጥቃስ፡ ንዘለወን ብልጫታትን ሕጽረታትን ብሰፊሑ ተንቲኑ።

“ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ነጸብራቕ ሕብረተ-ሰብ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሙሳ፡ ምስ ዘለና ተመኲሮ፡ ንዝነበረና ብልጫታት ብምዕቃብ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ምስ ባህልን ልምድን ህዝብና ዝሳነ ተመኲሮ ብምቕሳም ኣገልግሎት ትምህርቲ ሃገርና ንምድንፋዕ፡ ከም ዕዮ- ገዛ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣቶ ሙሳ ወሲኹ፡ ወለድን ሕብረተሰብን እውን ኣብ ምምዕባል ትምህርታዊ መዳይ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ኣስሚሩሉ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ መምህር ስምኦን መሓሪ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “መምህር ቀላሲ ሕብረተ-ሰብ” ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ማሕበር ብስሩዕ መንገዲ ንመማህራንን ሓለፍቲ ጽላት ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ደረጃታትን፡ ሰሚናራትን ናይ ጐስጓስ መደባትን ሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ሰሚናራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ፡ መጽናዕቲ ብምክያድ ናብ ዞባታት ናይ ምስፋሕ ውጥን ከምዘሎ ዝጠቐሰ መምህር ስምኦን፡ መማህራን ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ኣብነታውያን ክኾኑ ተላብዩ።

ኣብ 1959 ዝተመስረተ ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 17 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።

Categories