ኣብ ኣገልግሎታት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ዘሎ ጠለብ ህዝቢ ንምምላእ፡ ኣብ መጽናዕትን ምስራዕ ቀዳምነታትን ዝተመርኰሰ ወፍሪን ደረጃ ብደረጃ ዝኸይድ ትግባረን ዘጠቓልል ቀጻሊ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ ገሊጹ።

ሚኒስተር ተስፋስላሴ፡ ምስ ማሕበረ-ቊጠባዊ ዕብየት ሓንቲ ሃገር፡ ጠለብ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ክዓቢ ግድነታዊ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ “ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ” ኣብ ዝብል መትከላዊ ፖሊሲ ልምዓታዊ መደባቱ ተመርኲሱ፡ ዝርጋሐ ናይ’ዞም ኣገልግሎታት ናብ መላእ ሃገር ንምስፋሕን ንምምዕባልን ልዑል ኣቓልቦ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ጽላት መጓዓዝያ ብዛዕባ ዝተሰላሰለ መደባት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብመሰረት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ 1993 ኣስታት 10 ሚልዮን ዝነበረ ብዝሒ ተጠቃሚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብልዕሊ 9 ዕጽፊ ክብ ብምባል ናብ 92.4 ሚልዮን ክብ ኢሉ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ንዝነበረ መስመራት ካብ 26 ናብ 294 ንምብጽሑ ዝተኻየደ ገዚፍ ወፍሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ዛጊት 1890 ዓድታት ተጠቀምቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ኮይነን ከምዘለዋ፡ እዚ ድማ ብጂኦግራፍያዊ ሸፈነ ክርአ እንከሎ፡ 85 ሚእታዊት ካብ ስፍሓት ሃገርና ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ተስፋስላሴ፡ ህዝቢ ኣብ ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያታት ዝገብሮ ወፈራታት፡ ኣብ ዝርጋሐ ናይ’ቲ ኣገልግሎት ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ንጽላት መራኸቢታት ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ዕማም፡ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ዝሓዘ ኣገልግሎት፡ ንምጽጋኑን ሓደስቲ ንምትእትታውን ብመንግስቲ ዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ብዓይነት ንምምዕባሉ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ዝብል ሰለስተ መድረኻት ከምዘጠቓልል ገሊጹ።

በዚ መዳይ፡ ኣብቲ ካብ 2001 ክሳብ 2010 ዝነበረ ካልኣይ መድረኽ፡ ኣብ መራኸቢታት ብዝተገብረ ወፍሪ፡ ኣገልግሎታት ቀዋምን ተንቀሳቓስን ቴለፎናት፡ ከምኡ’ውን ኢንተርነትን ጶስጣን ብዝርጋሐን ዓይነትን ብዘመዝገቦ ምዕባለ፡ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ዜጋታት ርኡይ ለውጢ ከምዘምጽአ፡ እቲ ጠለባት እናዓበየ ስለዝመጽእ ግዳ፡ እቲ ናይ ምምዕባሉ መስርሕ ቀጻልን ዘየቋርጽን ምዃኑ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ተስፋስላሰ ብርሃነ፡ መጓዓዝያ ባሕሪን ኣየርን ንምምዕባል እውን መድረኽ ብመድረኽ ዝኸይድ፡ ኣብ ምህናጽ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ምስፋሕ ስምምዓት መጓዓዝያ ኣየራት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኩባንያታትን፡ ምስፋሕን ምጽጋንን ወደባትን ምትእትታው ንዓኡ ዘድሊ መሳርሒታትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መደባት ይሰላሰሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

Categories