ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ገስጋስ ትምህርቲ ዘሐይል መደባት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ብ5ን 6ን መጋቢት ኣብ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ- ትምህርቲ፡ ልዕሊ 2400 ሰደቓታት ሕጽረት ንዝነበረን ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተዓደለ፡ ብባህርያዊ ሓደጋ ዕንወት ዝወረደን ኣብያተ-ትምህርቲ ይጽገና ከምዘለዋ፡ ዲጂታላዊ ኣብያተ- ንባብ ናይ ምስፋሕ ዕማም ጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ንኡስ ዞባታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት – መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ እናበረኸ ብምምጻእ ልዕሊ 80 ሚእታዊት በጺሑ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ፍረ ናይቲ እናሓየለ ዝመጸ ስሉሳዊ ዝምድና ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ረዘነ ፍስሓ፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ ተዓቂቡ ናብ ዝበለጸ ውጽኢት ንምምጥጣር፡ ሕጽረታትን ድኻማትን ብውህደት ንምፍታሖም ጻዕርታት ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ኣኼበኛታት፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ዘተባብዕ ዕብየት ምምዝጋቡ፡ ውጽኢት ናይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ድኻማት ንዘርእዩ ተመሃሮ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።

Categories