ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ናይ ብርኪ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ‘ኣዘል’፡ 40 ሚእታዊት ካብ ጠለብ መድሃኒት ሃገርና የማልእ ከምዘሎ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ምስ ዝነጥፍ ድማ ክሳብ 60 ሚእታዊት ከማልእ ዓቕሚ ከምዘለዎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ምስግና ተኽለኣብ ገሊጹ።

ኣቶ ምስግና፡ መፍረ መድሃኒት ኣብ ሃገርና ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከም እተጀመረ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣገዳስነት መድሃኒታዊ ምስናዕ ተራእዩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዮርዳኖሳዊ ትካል መፍረ መድሃኒት ሽርክነት ብምፍጣር፡ ኣብ 2003 ነዚ ትካል ከምዝመስረቶ፡ ውጽኢቱ ድማ ዝምስገን ምዃኑ ሓቢሩ።

መድሃኒታዊ ምስናዕ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መድሃኒት ኣብ እዋኑን ብዘድልየካ ዓቐንን ክትቅርብ ምኽኣሉ፡ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸን ትምዩንን መድሃኒታት ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ከቢድ ጸገም ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ንዝፈሪ መድሃኒት፡ ተቘጻጻሪ ኣካል ብቐረባ ዝከታተለሉ ሃዋህው ክትረክብን ናብ ተጠቃሚ ህዝቢ ብርትዓዊ ዋጋ ክትቅርብን ምኽኣል፡ ዓቢ ረብሓ ምዃኑ ኣረዲኡ።

“መድሃኒታዊ ምስናዕ፡ ክብሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ኢንዱስትርያዊ ንጥፈት’ዩ” ድሕሪ ምባል ድማ፡ ብዘይካ’ቲ ዝፈጥሮ ቊጠባዊ ረብሓታት፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ጥዕናውን ጸጥታውን መዳያት ብዘለዎ ኣበርክቶ እውን ክምዘን ከምዝከኣል ገሊጹ።

ትካል መፍረ መድሃኒት ‘ኣዘል’፡ ዛጊት ናይ ሃገርና ዝርዝር ኣድለይቲ መድሃኒት ምርኲስ ብምግባር፡ ቀዳምነት ንዝተዋህቦም ኣስታት 50 ዓይነት መድሃኒት ኣብ ምፍራይ ከምዝርከብ ብምጥቃስ፡ ብዝሒ ዘፍርዮ ዓይነት መድሃኒት ክብ ምባል፡ ምስ ናይ ወጻኢ ተቘጻጸርቲ ትካላት ምሕዝነት ብምሕያል ደረጃኡ ምንጻር፡ ከምኡ’ውን መጠን ፍርያቱ ክብ ብምባል ናብ ሰደድ ምጥማት ዘጠቓልል ናይ መጻኢ መደባት እውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።

58 ሚእታዊት ብመንግስቲ ኤርትራ፡ 42 ሚእታዊት ድማ ብዮርዳኖሳዊ ትካል መፍረ መድሃኒት ዝውነን ናይ ብርኪ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ‘ኣዘል’፡ ኣካል ናይ’ቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ብርትዓዊ ዋጋ መሰረታውያን መድሃኒታት ኣብ ምቕራብ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ትካል’ዩ።

Categories