ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሃውሽ፡ ኣስነዳ፡ ሸጋሊን ኣስማጥን – ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ መስርሕ ምድልዳል መሬት ሕርሻ ንምስልሳል ምዝገባ ተኻዪዱ።

እቲ ካብ 15 ጥሪ ክሳብ 23 ለካቲት ዝተኻየደ መስርሕ ምዝገባ፡ ብቐንዱ እቶትን እቶታውነትን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ዕዙዝ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ኣቶ ዮወሃንስ ኣስፍሃ፡ ነበርቲ ኣብ ትግባረ መምርሒታትን ሕግታትን ምድልዳል መሬት ንዘርኣይዎ ተሳትፎ ብምምጓስ፡ እቲ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝዛዘም፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባን ምምሕዳራት ከባቢን ምስ ዝቘማ ኮሚተታት ዘለዎ ውህደት ከሐይል ኣዘኻኺሩ።

ብዝተኻየደ መስርሕ ልዕሊ 3630 ስድራቤታት ክምዝገባ እንከለዋ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ኤራ፡ እሮታን ሻካ- ወግሬትን ዛጊት ኣብ መስርሕ ምዝገባ ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

ብዝተኻየደ መስርሕ ልዕሊ 3630 ስድራቤታት ክምዝገባ እንከለዋ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ኤራ፡ እሮታን ሻካ- ወግሬትን ዛጊት ኣብ መስርሕ ምዝገባ ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ኣቶ ዑስማን ኣድም፡ ኮሚተታት መሬት ኣብ መስርሕ ዕደላ ዘጓንፍ ሽግራትን ሕጽረታትን ንምእላይ ምስ ህዝቢ ተወሃሂደን ክሰርሓ ብምዝኽኻር፡ ነበርቲ – ቅድሚ ክራማት መሬቶም ፈሊጦም ግቡእ ምድላዋት ክገብሩ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ብመስኖ ዝለምዕ 60 ሄክታር፡ ብመእለዪ ውሕጅ ዝሰቲ 20 ሄክታር ዝርከቦ፡ ብጠቕላላ 4555 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከምዘሎ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ይሕብር።

Categories