ኣብ ለንደን፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ጥምረቶም ንምድልዳልን ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምድንፋዕን ዝዓለመ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ብ4 መጋቢት ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ ኩሉ ጽላታት ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ፡ ንመጻኢ ወለዶ ድልዱል መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑን፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝተገብረ ወፍሪ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ጐሊሑ ይርአ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ተራ – ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት፡ ኣገዳስነቱ ልዑል ብምዃኑ፡ ንምሕያሉ ብዝሰፍሐ ውዳበ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ጨንፈር ሃማደኤ ኣብ ፈረንሳ፡ ብ4 መጋቢት ወከልቲ ኣባላትን ኣምባሳደር ሃና ስምኦንን ኣብ ዝተሳተፋሉ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይ፡ ንውፉይ ተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝምልከት መብርሂ ሂባ። ድሕሪ’ዚ ጉባኤ፡ ንጥፈታት ጨንፈር እትመርሕ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ።

ኣብ ካልእ ንጥፈታት ድማ፡ ኣብ ሽቱትጋርት – ጀርመን፡ ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዘድልዩ መሳርሒታት፡ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ተኣኪቡ።

ሃገራዊ ሽማግለ ከተማ ማንሃይም – ጀርመን፡ ክለብ ማሕበረኮም ከተማ ሙንሸን፡ ግዱሳት ደቂ-ኣንስትዮ ከተማ ባብሊንገንን ማሕበረሰብ ከተማ ሮይትሊንገንን፡ ብጠቕላላ 6,432 ዩሮ ንሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ሓርበኛታት ኤርትራ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተወደበ፡ ንተራን ኣበርክቶን ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪቃ ዝግምግም ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ተሳቲፉ።

ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ – ንኣኼበኛታት ኣካፊሉ።

Categories