ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “እርከና ደቂ-ኣንስትዮ – መቕድም ምዕሩይነት” ብዝብል ቴማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዘኪራ።

ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 8 መጋቢት – ደቂ-ኣንስትዮ ንቐጻሊ ስራሕን ተጨባጢ ውጽኢትን ቃለን ዘሐድሳላ ዕለተ-ዝኽሪን ገምጋምን ምዃና ገሊጹ።

ህዝባዊ ግንባር – ሱታፌ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕዛዝ፡ ግብራዊ መደባት ሓንጺጹ ብዕቱብ ከምእተቓለሰሉን ከምዝሰርሓሉን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢ፡ ኣቃሊልካ ዝርአ ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ዜጋታት ብደረጃ ዕላማን መትከላትን ምዕሩይ ዕድላት እንተተፈጥረሎም እውን፡ ኩሎም ማዕረ ብቕዓትን ዓቕሚን ክህልዎም ስለዘይክእል፡ ነዚ ዘመዓራሪ እወታዊ ኣድልዎን ደራኺ ተበግሶታትን ምውሳድ፡ ናብ መድረኽ ምዕሩይነት ንምብጻሕ ንዝካየድ ቃልሲ ዘቀላጥፍ ከምዝኾነ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ደማም – ስዑዲ ዓረብ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊዘርላንድ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ን8 መጋቢት ብድምቀት ከምዝጸምበላኣ፡ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

እተን ዜጋታት፡ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ እምነ-ኲርናዕ ንኣግእዞአን ምዃኑ ጠቒሰን፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት ነዚ ዘገልግል ብምዃኑ፡ ብዕቱብ ክጥቀማሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺረን።

Categories