ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ምስ መሻርኽቱ ብምውህሃድ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ብሞያ ኤለክትሪሲቲ፡ ስርሓት ካይላ፡ ማእለማን ኮምፕዩተርን ዘሰልጠኖም 79 ዜጋታት ተመሪቖም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ፡ ኣቶ ተስፋጽዮን ግርማይ፡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሞያታት ቀሲሞም ነብሶም ክኢሎም ኣብ ሃገራዊ መደባት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ንከባቢኦም ብእወታ ዝጸልዉ ኣብነታውያን ክኾኑ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊትን ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ መምህር መሐመድ-ዑመር ዓብደላን ድማ፡ ሰልጠንቲ ረኺቦምዎ ንዘለዉ ዕድል ኣብ ስራሕ ከማዕብልዎ ብምዝኽኻር፡ ደገፍ ምምሕዳር ከተማ ከረንን ሚኒስትሪ ትምህርትን ከምዘይንፈጎም ኣረጋጊጾምሎም።

ሰልጠንቲ፡ ብጉጅለ ወይ ብውልቂ ናብ ስራሕ ከምዝዋፈሩ ንምግባር ብዝተታሕዘ መደብ መሰረት፡ ብማእለማ ንዝሰልጠና ልዕሊ 800 ሽሕ ናቕፋ ዝወድኣ 20 ማሽናት፡ ብካይላ ንዝሰልጠና ድማ ልዕሊ 457 ሽሕ ናቕፋ ዝወድኣ 105 ማሽናት ክትከላ ምዃነን፡ ብኤለክትሪሲቲ ንዝሰልጠኑ እውን መበገሲ ዝኸውን መሳርሒታት ክዕደሎም ምዃኑ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

Categories