ተቐማጦ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ንውሕስነት ናይ’ቲ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት መሰረታዊ ጽገና ዝተገብረሉ – 30 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ መስመር እምኒ-ሓይሊ – ዓዲ-ባሓይላይ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን፡ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ፡ እቲ 16 ሓደስቲ ቢንቶታት ዘጠቓልል ጽርግያ ብውሕጅ ንኸይብሕጐጒ፡ መንገዲ ውሕጅ ምስራሕን ንውሕጅ ዝተቓልዐ ቦታታት ምፍዋስን የጠቓልል።

እቲ ስራሕ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ክኢላታት ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ይሰላሰል ከምዘሎ ዝሓበሩ ነበርቲ ብወገኖም፡ እቲ ጽርግያ መትኒ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶምን መነባብሮኦምን ስለዝኾነ፡ ብልዑል ተሳትፎ ይዓምዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

Categories