ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካ፡ ዓንሰባን ደቡብን፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከምእተኻየደ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 1 ክሳብ 6 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ሕጊ፡ ጥዕናን ካልእ ዛዕባታትን ዘተኰረ ሰሚናራት፡ ወይዘሮ ሰናይት ልጃም፡ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ኣብ 1995 ዝፈረመትሉ ብ“ሴዳው” (CEDAW) ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ውዕል ምውጋድ ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ውዕል፡ ደቂ-ኣንስትዮ – ብዘይ ጾታዊ ኣፈላላይ – ኣብ ኩሉ ቦታታት ስራሕ ተሳትፎአን ንኸዕብያ ዝጣበቕ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ኣባል ሚኒስትሪ ፍትሒ መንእሰይ ለውሃት ኣረፋይነ ብወገና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ጸገም ምስ ኣጋጠመን ጥራይ ናይ ሕጊ ጸግዒ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፡ ኣቐዲመን ኣፍልጦአንን ንቕሓተንን ክብ ከብላ ኣዘኻኺራ።

ንጥዕና ብዝምልከት፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂኣንስትዮ ገኒኖም ናይ ዝርኣዩ ሕማማት ጠንቅታትን ሳዕቤናትን፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ተዋሂቡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ብደረጃ ዞባ ብ5 መጋቢት ኣብ ገለብ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል 8 መጋቢት፡ ነቲ ዕለትን ርዝነቱን፡ ከምኡ’ውን ንተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ- መዳያት ዝምልከት መግለጺ ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ታሪኽ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብስራሕን ቅያን ዝደመቐ ስለዝኾነ፡ ንምሉእ ኣግእዞ – ንዝተጣጥሓለን ባይታ ብግቡእ ተጠቒመን ዓጸፋ ክሰርሓን ከበርክታን ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ልዕሊ 950 ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ከረንን ኣባላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ተክኒክ ዞባ ዓንሰባን፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን ወፈራ ጽሬት፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ- ትምህርቲ ከረንን ሮራን ድማ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣግራብ ናይ ምዂስኳስ ስራሓት ኣሰላሲለን።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብ6 መጋቢት ብደረጃ ዞባ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ብሰልፊ መንእሰያትን ኣዴታትን፡ ከምኡ’ውን ብስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን መደረታትን ዝተሰነየ ጽምብል፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ማዕረ ዕድላት ንምርጋግጽ ክካየዱ ዝጸንሑ ንጥፈታት፡ ኣድማዕነቶም ኣብ ግብሪ ዝዓብየሉን ዝኹላዓሉን ባይታ ንምጥጣሕ፡ ናይ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ተሳታፍነት ዝሓትት ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

ብኻልእ ወገን፡ ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ምስ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ብምትሕብባር፡ ብ6 መጋቢት ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝወደቦ – ንኣገዳስነት ወለንታዊ ልግሲ ደም ዝምልከት ኣስተምህሮ፡ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምስሳን ደቂ-ኣንስትዮ መሪሕ ተራ ክጻወታን በብከባቢአን ክጉስጉሳን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories