ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ሳላ ተበግሶታት ህዝብን ውህደት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ምጥርናፍ ዓድታት 80 ሚእታዊት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓምድ መሓመድ-ዓሊ፡ ካብ 18 ክሳብ 27 ለካቲት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ መለብሶ፡ ማይ-ኣዋልድ፡ ረሀይ፡ ፈንሸበኩን ገበይ- ኣለቡን ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ብመሰረት’ቲ ዝካየድ ዘሎ መደብ ምጥርናፍ ዓድታት፡ 590 ስድራቤታት ዓድታት ቀጢን፡ ጭልማን ኣብደትን ኣብ መለብሶ ድሕሪ ምጥርናፎም፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይዋደድ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ክልተ ቕነ ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበርን፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ሳልሕ ሓቢሩ።

ንዕቃበ ማይን ሓመድን ብዝምልከት፡ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰሙን ክልተ መዓልታት ኣብ ምክልኻል ፍግረ መሬት ዘተኰረ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን ከምዝሰላሰል፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባቢ ድማ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ነበርቲ፡ ኣቋሪጹ ዘሎ መስርሕ ህንጸት መደበር ጥዕናን ዲጋን ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ዝርግሐ ኤለክትሪክ ክቕጽልን መስርሕ ጽገና ማእከል መንእሰያት ክቀላጠፍን ጸዊዖም።

Categories