ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ፡ ወለዲ – ማእከል ስሉሳዊ ዝምድና ስለዝኾኑ፡ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ደቆም ተራኦም ከዕዝዙ፡ ኤሪና ዘዘራረበቶም መማህራንን ኣባላት ኮሚተ ወለድን ኣዘኻኺሮም።

መምህር ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ወርሽ ኪዳነ፡ ኣብ መንጎ መማህራን፡ ተመሃሮን ወለድን ኣብ ዝህሉ ስሉሳዊ ዝምድና፡ ተራ ወለዲ እምነ-ኲርናዕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኩነታት ተመሃሮ ንምክትታልን ውጽኢት ትምህርቲ ንምሕያልን፡ ምቛም ኮሚተ ወለዲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ውጽኢት ተመሃሮ ካብ ዘዕዝዙ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማትን ሕጽረታትን ብመንገዲ ኮሚተ ወለዲ፡ ብምውህሃድ መማህራንን ወለድን ቅልጡፍ ፍታሕ ምንዳይ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ኣባላት ኮሚተ ወለዲ እውን፡ ጐስጓስ ኣብ ምክያድ፡ ዝደኸሙ ተመሃሮ ኣብ ምሕጋዝ፡ ንፉዓት ተመሃሮ ኣብ ምትብባዕ፡ ጉድለት ንዘርኣዩ ኣብ ምእራም፡ ምስ መዓልታዊ ንጥፈታት ተመሃሮ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣብ ምክትታል – ዕቱብ መደባት ክካየድ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

Categories