ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ተኽለሰንበት ዘርኣይ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣርባዕተ ናይ ብሕቲ ዝርከባአን 18 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ መምህር ተኽለሰንበት፡ እተን ቀንዲ ዕብየት ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ- ኣንስትዮ ዝርኣየለን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኮምፕዩተራት፡ ኣብያተ-መጽሓፍን ኣብያተ-ፈተነን ዘለወን – ካብ ጸሊም ጽርግያ ራሕቂ ዘይብለን ምዃነን ገሊጹ።

ንብቕዓተን ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ካብ 90 ክሳብ 100 ብሉጽ ነጥቢ ካብ ዘመዝገቡ 110 ተመሃሮ፡ እተን 56 ደቂ-ኣንስትዮ ምንባረን፡ ሎሚ ዓመት’ውን እንተኾነ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዘምጽኡ 105 ተማሃሮ እተን 64 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ኣረዲኡ።

ካብ 2011 ክሳብ 2017 ናብ ቤት- ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ወሪዶም ኣብ ሃገራዊ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝተፈተኑ ኣስታት 11 ሽሕ ተማሃሮ ናይ’ቲ ዞባ፡ እተን 45.2 ሚእታዊት ደቂ- ኣንስትዮ ምንባረን ዝሓበረ መምህር ተኽለሰንበት፡ 36.2 ሚእታዊት ናይ ዲግሪ፡ 37 ሚእታዊት ድማ ናይ ዲፕሎማ ነጥቢ ብምምጻእ፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት-ትምህርቲ ትምህርተን ክቕጽላ ከምዝኸኣላ ኣብሪሁ።

Categories