ኣብ ኣለቡ ዝርከብ ፋብሪካ ‘ባናቶም’፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ዘፍረይዎ ኮሚደረ ብምምስራሕ፡ ዘቤታዊ ጠለባት ሳልሳ ንምምላእ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ፋብሪካ ሌተና ኮሎኔል ተኪኤ ወልዱ ሓቢሩ።

እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ዓድ-ዑመር፡ ፋንኮ-ጽሙእ፡ ገርሰትን ሞሎበርን ዝፈረየ ኮሚደረ ተቐቢሉ፡ መዓልታዊ 5 ሽሕ ኩንታል  ብምምስራሕ ኣብ ናይ 250 ግራም ታኒካ ከምዝዕሽግ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ምምሕዳር ቴክኒካዊ ኣገልግሎት ኮርፖሬሽን ዘራእትን ጥሪትን ሰርጌንተ መሓመድ ዓብደላ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብ’ቲ ትካል ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ ሞያውያንን ሓደስቲ ናይ ቴክኒክ ምሩቓትን ብዘሎ ምውህሃድን ናይ ምውርራስ ባህልን፡ እቲ ፋብሪካ ስርሑ ብጽቡቕ የሰላስል ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories