ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝተኻየደ ጻዕሪን ውጽኢቱን ንምግምጋም ብ25 ለካቲት ዋዕላ ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካን ሚኒስትሪ ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ካልኦት ዝምልከቶምን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጀሃን፡ መምህር ኣበዶም ገብረእየሱስ፡ ንድሕረ- ባይታ፡ ህሉው ኩነታትን ናይ መጻኢ ኣመታትን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቕሪቡ።

መምህር ኣበዶም፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ – 27 ትካላት ትምህርቲ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ሓላፊ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሞልቊ መምህር ሱራፍኤል ክፍለገርግሽ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዓበይቲ ዓወታት ከም እተመዝገበ፡ ብመጠን ብዝሒ ህዝቢ ግዳ – ቊጽሪ ተሳተፍቲ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምቲ ዝግባኦ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ብሰንኪ ራሕቂን ካልእ ጸገማትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተገሊሎም ዘለዉ ቈልዑ፡ ንመዛኑኦም ዘርክቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ ጻዕርታት ክካየድ ተላብዮም።

Categories