ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ዓማዊል ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (ኣኮርድ)፡ ኣብ መነባብሮኦም ምምሕያሽ ከምዘምጽኡ ገሊጾም።

እቶም ኣብ ንኡስ ንግዳውን ሕርሻውን ዋኒናት ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ እቲ ከም መበገስን መማዕበሊን ዋኒኖም በብመድረኹ ዝተፈቕደሎም ልቓሕ፡ ኣብ ህይወቶም መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝሓገዞም ሓቢሮም።

ሓላፊ ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ጨንፈር ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣቶ ክፍሎም ሃይለ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንዓማዊል ዘገልግል ቤት-ጽሕፈትን ዓዳዊ ባንክን ከምዘለዎም፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ 700 ተጠቀምቲ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ንዝረኸብዎ ገንዘባዊ ልቓሕ ኣብ ዝተጸንዐ ዋኒን ዝተጠቕሙሉ፡ ኣብ ናብራኦም ዘተባብዕ ዕብየት ከምዘመዝገቡ ኣብሪሁ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ብዝነበረ ድኹም ክራማት ብኣሉታ ዝተጸልዉ ሓረስቶት፡ እቲ ትካል መጠን ወለድ ብምጉዳል ክተሓባበሮም ሓቲቶም።

ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (ኣኮርድ)፡ ነቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝቕመጡ፡ ብሰንኪ ጉዳይ ውሕስነት ካብ ወግዓውያን ፊናንሳውያን ትካላት ክልቅሑ ዘይክእሉ ዜጋታት ናይ ልቓሕ ዕድል ብምኽፋት፡ መነባብሮኦም ዘመሓይሹሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝቘመ’ዩ።

Categories