ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ካብ 5 ክሳብ 10 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣገልግሎት ጥዕና ይረኽቡ ከምዘለዉ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ፡ ሓላፊ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ገብረመስቀል ገብረሂወት ሓቢሩ።

ኣብ ከርመድ፡ ኣሸራ፡ ግላስ፡ ሓሽሻይን ዓድ-ፋካይን መደበራት ጥዕና፡ ኣብ ከተማ ሓጋዝ ድማ ኮማዊ ሆስፒታል ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝገለጸ ነርስ ገብረመስቀል፡ ክሳብ ርሑቕ ገጠራትን ደምበታትን እናተንቀሳቐስካ ዝካየድ ናይ ክታበት መደባት እውን፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ህጻናትን ኣደታትን ድማ ብፍላይ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣበርክቶ ወከልቲ ጥዕና ዓድን ምምሕዳራትን ኣብ ኣሳልጦ ስራሖም ሓጋዚ ኮይኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ንምትእትታው ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ 29 ዓድታት ተጠቀምቲ ዓይኒ-ምድሪ ኮይነን ምህላወንን፡ ዝተረፋ ዓድታት ንተመሳሳሊ ስርሓት ድሉዋት ከምዘለዋን ኣረዲኡ።

ነርስ ገብረመስቀል ወሲኹ፡ ኣብ 2016 ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝሓረሳ ነፍሰ-ጾራት ቊጽሪ 870 ዝነበረ፡ ኣብ 2017 ናብ 1170 ክብ ከምዝበለ፡ ሕማም ዓሶ ንምቊጽጻር ብዝተኻየደ ጻዕሪ ድማ ብ42 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ሓጋዝ ሓላፊ ሓፈሻዊ ሕማማት – ነርስ ተስፋኣለም ገብረኣምላኽ ብግደኡ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሰክፍ ተርእዮ ሕማማት’ኳ እንተዘየለ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ግን፡ ዝዀነ ነባሪ ናይ ሕማም ምልክታት ምስ ዝስመዖ፡ ተቐላጢፉ ኣብ ቀረባኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ረድኤት ክረክብ ኣዘኻኺሩ።

Categories