ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ንነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሕርጊጎ፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰምሃርን ስጋለትን፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።

ኣዛዚ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ባጽዕ ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጽአ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ምምእዛን ዜጋታት ልዑል ኣገዳስነት ስለዘለዎ፡ ስድራ-ቤታት ግቡእ ቈላሕታ ክህብኦን ንደቀን ብግቡእ ክከታተላን ኣተሓሳሲቡ።

ቊጽሪ ናይ ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን እናነከየ ይመጽእ’ኳ እንተሎ፡ ብመንእሰያት ዝካየድ ናይ ስርቂ ገበናት ሸለል ክበሃል ከምዘይብሉ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ፡ ምስ ፖሊስ ዝገብርዎ ምትሕብባር ክብ ብምባል፡ ሰላምን ጸጥታን ከባቢኦም ንምውሓስ ከምዝሰርሑ ብምግላጽ፡ ፖሊስ እውን ሓበሬታ ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህብ ተላብዮም።

Categories