ኣብ ከተማ ከረን፡ ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣግራብ ውጽኢታዊ ስራሕ ከም ዝተዓመ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ከተማ ኣቶ መልኣከ ሕድሩ ገሊጹ።

ብውህደት ነበርትን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ በብእዋኑ ብእርጋን ይኹን ካልእ ምኽንያታት ክበርስ ዝጸንሐ ኣግራብ ንምትካእ፡ ተበግሶታት ክውሰድ ምጽንሑ ዝሓበረ ኣቶ መልኣከ፡ ኣብ 2004 ነዚ ንምክትታል ዝቖመት ኣሃዱ፡ ኣብ ምግራብ ዝምስገን ንጥፈታት ተሰላስል ከምዘላ ኣረዲኡ።

በብእዋኑ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት’ታ ከተማ፡ ሽባኻ፡ ስየን ካልእን ዘጠቓልል ኣማኢት ኣግራብ ከም ዝተተኽለ፡ ዝበዝሐ ካብኡ ብግቡእ ጸዲቑ፡ ድሮ ጽላልን ግርማ ከተማን ኰይኑ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ኣሃዱ ልምዓት ከተማ ከረን ዝውንኖ መደበር ፈልሲ ስለ ዘይጸንሖ፡ ክጸድቁ ንዘይከኣሉ ፈልስታት ኣብ ምትካእ ጸገማት ከጋጥም ምጽንሑ ብምዝካር ድማ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ብምትሕብባር ናይ ኩላቶም ዝምልከቶም ኣካላት፡ መደበር ፈልሲ ብምውዳዱ፡ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣግራብ ኣብ ምሕላው፡ ምዂስኳስን ምስታይን ዝነጥፉን ዝከታተሉን ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ጠቒሱ ከኣ፡ ኣብ መንጎኦም ቅዱስ ቅንኢ ንምሕዳር፡ ንብሉጻት ሰራሕተኛታት ሽልማት ከምዝወሃብ ገሊጹ።

ኣቶ መልኣከ ሕድሩ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ብግቡእ ጸዲቑ ዘሎ ኣግራብ፡ መልክዕን ግርማን ከምዝህልዎ ንምግባር፡ እቲ ኣሃዱ ከም ቀዳማይ ዕማሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ምክትታል፡ ምክንኻንን ምትካእን፡ ተሳትፎ ነበርቲ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories