ነበርቲ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ዓጸፋ ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መሓመድ-ሓምድ ዓሽከራይ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡

ኣገልግሎታት ጥዕና፡ መራኸቢታትን መጓዓዝያን ግን ምዝኽኻር ዘድልዮ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብፍሉይ ወፈራታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም፡ ብሓፈሻኡ ድማ ኣብ ዝሰላሰል መደባት ዓቕሞም ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብሩ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣቶ መሓመድ-ሓምድ ዓሽከራይ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ኣብ ከባብያዊ ጽሬት ንዘርእዮ ዘሎ ተሳትፎ ብምንኣድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝርአ ሕጽረታት ንምፍታሕ ዕዩብ ጻዕሪ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories