ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቊጽሪ ትካላት ትምህርቲ ናይ ልዕሊ ትሽዓተ ዕጽፊ ዕብየት ብምምዝጋቡ፡ ካብቶም ክመሃሩ ዝግብኦም ቈልዑ – ልዕሊ 91 ሚእታዊት ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ ምህላዎም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር ረሺድ መሓመድ- ዑስማን ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ምዕሩይ ኣገልግሎት ትምህርቲ – ኣውራ’ኳ ደኣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንምርግጋጽ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 305 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 51 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣስንትዮ እውን ደሓን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ዝተኻየደ ጻዕሪ ጽቡቕ ውጽኢት ብምሃቡ፡ በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፉ 111 ተመሃሮ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ተሳቲፎም – ብሰርቲፍኬት፡ ዲፕሎማን ዲግሪን ከምእተመረቑ፡ ድሮ ድማ 65 ካብኣቶም ኣብ ምምህርና ተመዲቦም ይነጥፉ ምህላዎም ገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ ርድኢት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ትምህርቲ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገለጸ መምህር ረሺድ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ፡ ኣብ ዓሬርብ – ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ምስ ጠለብ ህዝቢ ዝሳነ፡ ካብ ሰነ ክሳብ ጥሪ ዝኸይድ ፍሉይ ዓውደ-ኣዋርሕ ትምህርቲ ወጺኡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ክሊማን፡ ራሕቂ ኣብያተ-ትምህርቲን ዘይምጥርናፍ ዓድታትን፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ማሕንቖታት ከምዝኾኑ – ንምቅላሎም ግዳ ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ናቕፋ ዝተኸፍታ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣሕደርቲ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀድሓት፡ ድሪት፡ ሂምቦልን ዜሮን ዝርከባ ሓውሲ ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ብራሕቂን ቊጠባዊ ጸገምን ካልእ ምኽንያታትን ካብ ትምህርቲ ንከይበዂሩ፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

Categories