መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል)፡ ብደረጃ ሃገር ዝርጋሐኡ ብምስፋሕ ጠለብ ዓማዊሉ ንምምላእን ብቕዓት ኣሰራርሓኡ ንምሕያልን፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ስትራተጂካዊ ውጥን ነዲፉ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ናይ 2017 ንጥፈታቱ ንምግምጋም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቢሩ።

ብ28 ለካቲት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ትካል፡ ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም፡ ‘መውል’ ብጂኦግራፍያዊ ዝርጋሐን ፋይናንሳዊ ዓቕምታቱን ዕብየት የመዝግብ ምህላዉ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ሕርሻን መጓሰን ንዝነጥፉ ዜጋታት፡ ነብሶም ክኽእሉን መነባብሮኦም ከመሓይሹን ናይ ልቓሕ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ሃገር 29 ሓደስቲ ዓዳውያን ባንክታት ከምእተኸፍታ፡ ብጉጅለን ውልቂን ንዝነጥፉ ዓማዊል 124 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ከምእተዘርግሐ፡ ኣቐዲሞም ካብ ዝተለቅሑ ዓማዊል ልዕሊ 149 ሚልዮን ናቕፋ ከምእተመልሰ በሪሁ።

ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ናይ’ቲ ትካል ካብ 100 ሽሕ ናብ 150 ሽሕ ክብ ከምዝበለ ክሕበር እንከሎ፡ ንቕሓት ተጠቀምቲ ክብ ንምባልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምውርጻጽን ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

Categories