ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ እንተላይ ኣብ ጐረባብትና ተላቢዑ ዘሎ ‘ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ’፡ ኣፍልጦ ሰብ-ሞያ ሕርሻ ንምብራኽ፡ ብ1 መጋቢት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እቲ ብክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ – ኣብ ሓረስቶት ሰፊሕ ጐስጓሳት ንምክያድን ብሓባር ንምስራሕን ዝዓለመ እዩ።

ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ወ/ሮ ሃይማኖት እምባየ፡ መበቈሉ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ ዝኾነ “ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ’’፡ ብቐንዱ – ንዕፉን፡ ኣብ ካልኦት ኣዝርእቲ ድማ፡ ብልቱግ፡ መሸላ፡ ስርናይን ካልኦት ሳዕሪታትን ዘጥቅዕ ምዃኑ፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ምቊጽጻር እንተዘይተገይሩሉ እውን፡ ዘራእቲ ምሉእ ብምሉእ ከጥፍእ ዝኽእል ሓደገኛ ባልዕ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ኣስራት ሃይለ፡ እቲ ባልዕ ብጐድኒ ጉምቦ ኣትዩ ነቲ ፍረ ከምዘዕንዎ፡ እዚ ድማ ካብ’ቶም ካልኦት ዓይነት ሰርሰርቲ ቃንጫ ሓሳኹ ከምዝፈልዮ ኣረዲኡ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል ኢዮብ፡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ኣብ ግራውቲ ቀጻሊ ኰለላ ክገብሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ዓይነት ባልዕ ወይ ዝነፍር ግዝዋ ምስ ዝዕዘቡ ወይ’ውን ዝተበልዐ ቈጽልን መርዓት ተኽልን ምስ ዝረኽቡ፡ ኣብ ቀረባኦም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ወይ ምምሕዳር ክሕብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories