ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ጥዕናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘስዕቡ ጐዳእቲ ልምድታት ንምግታእ ብዛዕባ ዘኽእሉ መደባት ዝዝቲ ኣኼባ፡ ብ2 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ።

እቲ ኣኼባ፡ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲን መርዓ ትሕቲ-ዕድመን ዝኣመሰሉ ሃሰይቲ ልምድታት ንምውጋድ፡ ብመንገዲ ሃማደኤ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብተናጸል ክካየድ ዝጸንሐ ወፍሪ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ብውህደት ንኽስራሓሉ እዩ።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ነቲ ሰሪቱ ዝጸንሐ ሃሳዪ ልምድታት ብውህደት ንምቅላስ፡ ውሁድን ጥቡቕን ናይ ስራሕ ዝምድና ተኣታትዩ ክስራሓሉ መሰረታዊ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

“ሓባራዊ ዕማም፡ ቀንዲ ረቛሒ ንዕውት ስራሕ’ዩ” ዝበለት ሚኒስተር ልኡል፡ ብዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ በብመንገዱ ዝተኻየደ ናይ ጐስጓስ ዕማማት፡ ንዝያዳ ውጽኢት ብጥምረት ክስራሓሉ ከምዝዀነ ሓቢራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ጨንፈር ጥዕና ስድራቤትን ኮምን ዶክተር ብርሃና ሃይለ፡ ብሰንኪ ጐዳእቲ ልምድታት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ዝወርድ ሃስያ ንምግታእ ክሰላሰል ዝጸንሐ መደባት ዝጭበጥ ውጽኢት የመዝግብ ምህላዉን ብውህደት ዝካየድ ንጥፈታት ክድፋኣሉን ኣዘኻኺራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ንኣድማዒ ውጽኢት፡ ዝውጠኑ መደባት ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ብውህደት ከም ዝስራሓሎም ኣረጋጊጹ።

Categories