ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማት ብምልላይ – ፍታሕ ንምምጻእ ዝዓለመ ርክብ ብ23ን 24ን ለካቲት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ርእሳነ-መማህራን፡ ሱፐርቫይዘራትን ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኸፊቱ’ኳ እንተሎ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ምዕሩይ ስለዘይኮነ ግዳ፡ መማህራን ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ጥራይ ከይተደረቱ፡ ቀንዲ ጸገማት ኣብ ምልላይ እውን ከተኩሩ ከምዝግባእ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ርእሶም ገብረሂወት፡ ተመሃሮ ተወዳደርቲ ንክኾኑ ተራ መማህራንን ወለድን ክዓዝዝ፡ ኩነታት ጥዕና ተመሃሮ ግቡእ ምክትታል ክግበረሉ፡ ንተመሃሮ ዝኸውን እኹል መጻሕፍቲ ኣብ ምቕራብ ጻዕሪታት ክካየድ፡ ከምኡ’ውን ንመዋእለ-ህጻናት ሓገዝ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሰለስተ ናይ ማእከላይ ደረጃ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዓዲ-ፈለስቲ፡ ጉሕጫዓን ድባርዋን ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ብምትእትታው – ባህሊ ንባብ ንምዕባይ ደረጃ ብደረጃ ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝሓበረ መምህር ርእሶም፡ ኣብ’ተን ካልኦት ኣብያተ- ትምህርቲ ንምስፍሑ እውን መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ካብ መባእታ ናብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ናይ ዝሰግሩ ተመሃሮ ቊጽሪ ከምቲ ዝድለ ስለዘይኮነ፡ ወለድን መማህራንን ሓላፍነታዊ ግዴታኦም ክፍጽሙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ሎሚ ዓመት ብሓፈሻ ኣስታት 23 ሽሕ ተመሃሮ ዘአንገዳ፡ 24 መባእታ፡ 10 ማእከላይ፡ 3 ድማ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories