ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ጥጡሕ ናይ ምብህሃል ባይታ ብምፍጣር ጸገማተን ኣለልየን ንምፍትሑ ክሰርሓ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ብ20ን 21ን ለካቲት ምስ ርእሳነ-መማህራን ኣብያተ- ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዝገበሮ ርክብ፡ መምህር ህብትዝጊ፡ ንኡድ ተመሃራይ ብቐንዱ ውጽኢት ጻዕሩን ተገዳስነቱን’ኳ እንተኾነ፡ ተራ መማህራንን ወለድን እውን ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ብግቡእ ተገምጊሙ ንምሕያሉ ክስራሕ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ናይ’ዚ ዓመተ- ትምህርቲ ካብ ዘተመዝገቡ ኣስታት 24 ሽሕ ተመሃሮ፡ 3.5 ሚእታዊት ከምዘቋረጹ፡ ካብቶም ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ድማ 13 ሚእታዊት ከምዝተረፉ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘምህራ 53 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories