ኣብ ጀርመን፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ጥምረቶምን ምስ ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳርን ዘደንፍዕ፡ ከምኡ’ውን ርድኢቶም ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘበርኽ መደባት ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት’ዚ፡ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣስንትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ መደባት ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ንምዕዋት ብዘካየዶ ንጥፈታት፡ ኣስታት 17 ሽሕ ዩሮ ኣበርኪቱ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ማንሃይም – ጀርመን፡ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ምኽንያት ብምግባር፡ ተካእቲ ወለዶ ሃገራዊ ክብርታትን ባህሊን ብዝወርሱሉ ኣገባብ፡ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካዪዶም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ብ25 ለካቲት ሳልሳይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ማሕበረ-ኮም – ኣብ ስደት ንዝርከብ ዜጋ ብምጥርናፍ፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ማሕበራውን ቊጠባውን መዳያት ብጥምረትን ሓባራዊ ርድኢትን ዘጓዕዝ ውዳበ ብምዃኑ፡ ንምሕያሉ ተሳትፎ ኩሉ ኣባል ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድ – ስዑዲ-ዓረብ፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምትራርን ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምዕዛዝን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያቶም ዝግበር ደገፍ ንምድንፋዕን ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንምስፋሕን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ኦርሊንስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 26 ለካቲት ዝጀመረን ክሳብ 26 መጋቢት ዝቕጽልን፡ ኣብ ብዙሕነትና ዘሎ ሓድነትን ሃገር ንምህናጽ ዝሰላሰል ዘሎ መደባትን ዘጠቓልል ስእላዊ ምርኢት ኣቕሪቡ ኣሎ።

Categories