ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና – ንክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ወፍሪ ክታበት ኣካዪዱ።

ኣወሃሃዲ ሕክምና እንስሳታት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ መብራህቱ መዝገቦ፡ በቲ ንሓረስቶት ቀረባ ኣብ ዝኾና 21 ነቚጣታት ዝተኻየደ መደብ፡ ኣስታት 40 ሽሕ ጥሪት ከምእተኸትባ ገሊጹ።

ምትሕብባር ወነንቲ ጥሪት ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ ወፍሪ ዝነኣደ መንእሰይ መብራህቱ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተኸትባ ጥሪት ምስ ዝህልዋ፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ብምምጻእ ከኽትብወን ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣቶ ሰለሞን መለስ ብግደኡ፡ ጥሪት’ቲ ንኡስ ዞባ ንስግረ-ዶባዊ ሕማማት ቅሉዓት ምዃነን ብምምልካት፡ ሓረስቶት በብግዜኡ ንዝካየድ ወፍሪ ክታበት ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ዘሰክፍ ተርእዮ ምስ ዝዕዘቡ ድማ ብኣጋ ንቤት- ጽሕፈት ሕርሻ ክሕቡሩ ተላብዩ።

Categories