ኣብ ገማግም ሩባ ዓንሰባ ዝርከብ ለሰታት፡ መእለዪ ውሕጅ ተሰሪሑሉ ንምልማዑ ተበግሶታት ክውሰድ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ንምዕዛብ – ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ።

ልምዓት ኣብ ገማግም ሩባ ዓንሰባ ልዑል ቈላሕታ ክወሃብ ዘዘኻኸረ ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ ከባቢ ፊዛ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት መእለዪ ውሕጅ መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል ጠቒሱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ባህታ ቴድሮስ፡ ኣቐዲሙ ብዝጸንሐ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ፡ ኣብ ከባቢ ፊዛ 50 ሄክታር ጥራይ ክለምዕ ምጽንሑ፡ እቲ መደብ ከኣ – ነዚ ናብ 100 ሄክታር ክብ ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቶ ባህታ ወሲኹ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብፕሮጀክት ፊዛ ዝለምዕ መሬት፡ ብስሕበት ክለምዕ ዝኽእል 24 ሄክታር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ሕርሻ ከይተዋፈሩ ዝጸንሑ ሓረስቶት ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ጸጋታት ተጠቒሞም ከልምዑን መነባብሮኦም ከመሓይሹን ተላብዩ።

Categories