ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ ብኣላይነት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ – ብዝተኻየደ ኲዕታን መስርሕ ምጽጋንን ዳህሳስን፡ ንምስጢር ናይ’ቲ ከባቢ ዘጒልሕን ንዝሰፍሐ መጽናዕቲ ዝደፍእን ሓድሽ ኣሰራት ተረኺቡ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታት፡ ኣብ’ቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ሻውዓይ ገጽ ዳህሳስን ኲዕታን፡ ብዓረ ናይ ዝተሰርሑን ጽሑፋት ግሪኽ ዝተወቕሮምን ውቁባት ኣዕኑድ ስብርባር፡ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ስብርባር ስራሓት ሰራሚክስ፡ ናይ ንሓስ ሰናቲምን መሳምርን፡ ከምኡ’ውን ናይ ክልተ ሰባት ኣስከሬንን ካልእን ከምእተረኸበ ኣረዲኦም።

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ሓላፊ ክፍሊ ስነ-መሬት ፕሮፌሰር ሃብተሃብ ጽገ፡ እቲ ትስፉው ኣንፈት ዝህብ ዘሎ ዳህሳስ፡ ብዕምቈት ንኽትመራመር ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንዝቐጸለ ዝንቡዕ ሓበሬታ ብምብርባር፡ ንምእራሙን ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዳግም ንኽጸሓፍን ዝድርኽ ክኸውን፡ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣወሃሃዲት ናይ’ቲ ፕሮጀክት፡ ተመራማሪት ስነ-ጥንቲ ኢጣልያዊት ፕሮፌሰር ሰሬና ማሳ፡ ካብ’ቲ 40 ሄክታር ዝስፍሓቱ ከባቢ ሓደ ሚእታዊት ጥራይ ከም እተዳህሰሰ፡ እቲ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ርኽበታት ድማ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ንመላእ ዓለም ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ጥንታዊ ባህላዊ ውርሻ ምዃኑ ሓቢራ።

ነበርቲ ኣፍታን ዙላን ኣብቲ መስርሕ ንዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎ ዝነኣደት ፕሮፌሰር ሰሬና፡ እቲ ከባቢ – ከም ሃገራዊ ናይ ስነ-ጥንቲ ቦታ፡ ተዓቂቡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝኣትወሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይከውን ኣውኪኣ።

እቲ ስራሕ፡ ብኣላይነት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ብምትሕብባር ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራ፡ ቤተ-መዘክር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዩኒቨርሲትታት ሚላኖን ናፖሊን እዩ ዝከየድ ዘሎ።

Categories