ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ኣብ ምሕደራ መዝሓሊታትን ብኣኦም ዝዓዩ ናውትን ብምትኳር፡ ኣብ ኣዳራሽ ሜድያን ሆቴል – ኣስመራ ስልጠና ሂቡ።

እቲ ምስ ግብራዊ ስራሕ ተሰንዩ ን30 ቴክኒሻናት፡ ኣምጻእቲን ተቘጻጸርትን መሳርሒታት መዝሓሊ ዝተዋህበ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ስልጠና፡ ንመዝሓሊታት ዘገልግሉ ጋዛት ኣብ ኣከባብን ጥዕናን ከውርድዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ሳዕቤናት፡ ኣገባብ ዕረያ መዝሓሊታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ሓደስቲ ጋዛትን መሳርሒታቶምን ምልላይ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ መስርሕ ምዕራይ ዝልሕዂ ጋዝ፡ ብኣጋ ክትዓትበሉ ዝድርኽ ጨና ክህልዎ ስለዘይክእል – ኣብ ኣከባብን ጥዕናን ከምጽኦ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው ጥንቃቐ ክግበር፡ ዝተበላሸወ ናውቲ መዝሓሊታት – ኣብ ውሽጡ ዘሎ ጋዝ ብግቡእ ምስ ወድአ ክጓሓፋ ከምዝግባእ፡ ካብ ኣሰልጠንቲ – ወኪል ትካል ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክኢላ ዕቃበ ኣከባቢን ሚስተር ማርቪን ሎጋን ኣዘኻኺሩ።

ኣወሃሃዲ ሃገራዊ መደብ ምክልኻል ርቀት ኦዞን፡ መሃንድስ ሮቤል ክብሮም፡ ኣብዚ ሞያ’ዚ ዝተዋፈሩ ክኢላታት – ሳዕቤናትን ዘሎ ኣማራጺታትን ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ሓደገኛ ጋዛት ንምእላይ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጹ ንኦዞን ዘይሃስዩ ሓደስቲ ጋዛት ምትእትታው፡ ከም ቀንዲ መደባት ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኤርትራ፡ ካብ 2005 ኣትሒዛ – ኣባል ናይ’ቲ ንዕቃበ ቀጸላ ኦዞን ብዝምልከት ኣብ 1985 ዝጸደቐን፡ ካብ ወርሒ መስከረም 1988 ግብራዊ ዝኾነን ውዕል ቬና እያ።

Categories