ኣብ ሳዋ፡ ጥዕናውን ምምሕዳራውን ኣፍልጦ ኣለይቲ ተማሃሮን መማህራንን ክብ ንምባል ዝዕላማኡ፡ ብቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ትምህርቲ ተወዲቡ።

ኣብ’ቲ ካብ 15 ክሳብ 17 ለካቲት ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሕማም ዓሶ ሳላ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝወረደ፡ 67 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓሳዊ ከበቢታት ስለዝነብር ግን፡ ደግሲ ንኸየጋጥም ምውሓስ ጽሬት ከባቢ ዓቢ ኣተኲሮ ክወሃቦ፡ ናሙስያ ብኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል፡ ብሰብ-ሞያ ጥዕና ዝወሃብ ምኽርን መድሃኒትን ኣብ ግብሪ ክውዕል እቶም ሞያውያን ምዒዶም።

ዝበዝሑ ሕማማት፡ ጠንቆም ጉድለት ከባብያውን ኣካላውን ጽሬት ስለዝኾነ – ኮም ዝሰረቱ ንጥፈታት ክድፋኣሉ፡ ብፍንው ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቊጽጻር – መንእሰያት ጥንቃቐ ከዘውትሩ፡ ብሰንኪ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘሎ ትሑት ርድኢት – ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ከጋጥም ዝጸንሐ ጸቕጢን ሳዕቤናቱን ንምውጋድ ጻዕሪታት ክሕይል እውን ኣዘኻኺሮም።

ንምሕደራ ኣብ ዝምልከት፡ ብድሆታት ንምፍታሕን ንምእላይን ከምኡ’ውን እወታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምስራጽ ኣብ ዝሕግዙን ካልኦትን ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ- ይከኣሎ መምህር ቀሊት ግርማይን ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደን በብወገኖም፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ጽፈትን ኣድማዕነትን መደባት ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ብምርግጋጽ፡ ንመጻኢ በብደረጃኡ ክውደብ ምዃኑ ሓቢሮም።

Categories