ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ሃስያ ከውርዱ ዝጸንሑ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕርታት ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ውህደት ዝምልከተን ኣካላት ንምርግጋጽ ሓድሽ ኣወዳድባ ተኣታትዩ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን ገሊጻ።

ሚኒስተር ኣሚና፡ ብ20 ለካቲት ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ኣወዳድባ ብቐንዱ ብኣላይነት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሃማደኤን ዝቕለስ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባታት ብመሪሕነት ምምሕዳራትን ተሳታፍነት ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን ክካየድ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ዕላማ’ቲ መደብ፡ ምኽንሻብ ጓል- ኣንስተይቲ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ፡ ምኽላእ ዓንቀርን ካልኦት ድሑራት ልምድታትን ብምጥፋእ – ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ምዃኑ ጠቒሳ ድማ፡ ነቲ ብተናጸል ክስራሓሉ ዝጸንሐ፡ ሓባራዊ መደብ ብምሕንጻጽ ሓባራዊ ትግባረን ውጽኢትን ንምርጋግጽ ከምዝኾነ ኣነጺራ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዝተኻየዱ ጻዕርታት፡ ውጽኢቶምን ብድሆታቶምን ዝምልከት መግለጺታት ክቐርብ እንከሎ፡ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ሓባራዊ ስራሕ ብዝምልከት፡ ኣብ ቅርጽን ዕማማትን ኣተኲሮ ብምግባር እውን ተወሳኺ መብርሂታት ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዛጊት ተኻዪዱ ዘሎ ጻዕሪን ውጽኢቱን ኣተባባዒ ምዃኑ፡ ብዙሕ ዝተርፍ ስለዘሎ ግዳ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ናይ ንቕሓት ስራሕ፡ እቶም ደይ-መደይ ኢሎም ነቲ ሃሳዪ ልምድታት ዘዘውትሩ ብሕጋዊ መገዲ ዝእረመሉ ኣገባባት ክተኣታቶ ኣዘኻኺሩ።

Categories