ገዲም ተጋዳሊት ኣለም ዑቕባሚካኤል ጉብሳ፡ ብዘጋጠማ ሕማም ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድመኣ ብ18 ለካቲት ተሰዊኣ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ተጋዳሊት ኣለም፡ ፈለማ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ድሕሪኡ ኣብ ክፍሊ ምልክት ክሳብ ዕለተ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ በዓል-መዚ ፖስጣን ቴለኮሚኒኬሽንን፡ ኣብ ሲቪል ኣቭየሽን፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኤርትራን ኣብ ምምሕዳር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርትን፡ ንሃገራን ህዝባን ብተወፋይነት ዘገልገለት ሓርበኛ እያ።

ስውእቲ ገዲም ተጋዳሊት ኣለም ዑቕባሚካኤል፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሸውዓተ ደቂን እያ።

ስነ-ስርዓት ቀብራ ሎሚ ሓሙስ 22 ለካቲት፡ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ምምሕዳር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሎም ተጋዳሊት ኣለም ዑቕባሚካኤል ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራ-ቤታ፡ መጋድልታን መሳርሕታን ጽንዓት ይምነዩ።

Categories