ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ – 2018 ተሳቲፎም፡ በብጾታኦም ኣብ ኩሉ ምድባት ዓበይቲ ዓወታት ንዝሓፈሱ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ቤተ- መንግስቲ ተቐቢሉ ኣተባቢዑዎም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ – ንኹሎም ነቲ ዓወት ክዉን ዝገበሩ ተቐዳደምትን ኣሰልጠንቶምን “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕቑር ናይ መንእሰያት ናይ ስፖርት ሓይሊ ዓቢ ምዃኑ ገሊጹ። ብዝግባእ እንተድኣ ተሰሪሑሉ ብደረጃ ዓለም እውን ዓበይቲ ዓወታት ክምዝገብ ከምዝኽእል ድማ ኣገንዚቡ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ብሓደስቲ መንእሰያት ዝተሃንጸት ጋንታ ከምዘሰለፈት፡ እቲ ዝተመዝገበ ውጽኢት ድማ ንብሩህ መጻኢ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ኣጒሊሑ ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሩ።

(ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዓምዲ ስፖርት. . .)

Categories