ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ18 ለካቲት ንኣባላት 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣበርክቶኡ ኣብ ምሕያል ሃገራዊ መንነትን ልምዓት ሃገርን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ- ቊጠባውን ዕብየት ናይ ሓንቲ ሃገር ብሓፈሻ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምዕባለን ንቕሓትን መንእሰያት ክብ ብምባል ሃገራዊ መንነት ኣብ ምሕያልን ውሕስነት ሃገር ኣብ ምርግጋጽን ድማ ብፍላይ ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ብኣዋጅ ሰሪዑ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቀዳምነታት ፖሊስታቱ ገይሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ካብ’ዚ እምነት’ዚ ዝነቅል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ገዛእትን መሳፍንትን ንዘካየዶ ቃልሲ ብዝርዝር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ጅግንነታዊ መኸተን ሓርበኝነትን’ዩ” ዝበለ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ፡ እዚ ዘዂርዕ ባህሊ ጅግንነትን መኸተን፡ ክዕቀብ፡ ክስነድን ናብ ወለዶታት ክሰጋገርን ዘለዎ ናይ ታሪኽ ውርሻ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ንቑሕን ድልዱልን ናይ ምክልኻል ሓይሊ ምህላው፡ ንረብሓ ህዝቡ ዘቐድም ህርኩት ፈታው ስራሕ፡ ውፉይን ድስፕሊን ዝዕጥቁን ኣገልጋሊ ህዝቡ፡ ከምኡ’ውን ካብ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታት ናጻ ዝኾነ ወለዶ ምህናጽ፡ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ዛጊት ኣብ ኩሉ መዳያት ህንጸት ሃገር ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ናይ’ዚ ውጽኢትን መርኣያን ከምዝኾነ ገሊጹ።

Categories