ኣብ ሆስፒታል ከረን ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ፡ ኣብ ምፍዋስ ሕማማት ዓይኒ ብሓፈሻ፡ መብጣሕቲ ኣብ ዘድልዮም ሕማማት ድማ ብፍላይ ዝነኣድ ንጥፈታት የሰላስል ከምዘሎ፡ ክኢላ ሕክምና ዓይኒ ኣቶ ካሕሳይ ስዩም ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ ዝህቦ ኣገልግሎት፡ ሓፈሻዊ ሕክምና ዓይኒን ምክልኻል ዑረትን ከምዘጠቓልል ዝገለጸ ኣቶ ካሕሳይ፡ ካብ ዞባ ዓንሰባ ሓሊፉ፡ ካብ ገለ ክፋላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ጋሽ-ባርካን ንዝመጹ ሕሙማት ስለዘገልግል ግዳ፡ ጻዕቂ ሕሙማት ከምዘጋጥሞ ኣረዲኡ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንኣስታት 700 ሰባት ናይ ሓበላ መብጣሕቲ፡ ን250 ድማ ካልእ ቀሊል መብጣሕቲ ከምእተገብረ፡ ምስ ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበስር’ ብምትሕብባር ከኣ ን414 ዜጋታት ፍሉይ ክእለት ዘድልዮ መብጣሕቲ ከምእተኻየደ ገሊጹ።

“ጐድኒ-ጐድኒ ሕክምና ዓይኒ ዝኸይድ፡ ጉዳይ መነጸር’ዩ” ዝበለ ኣቶ ካሕሳይ፡ ዝጸንሐ ጸገም ንምእላይ ኣብ መወዳእታ 2017 መነጸር እተፍሪ ማሽን ተኣታትያ ንህዝቢ ተገልግል ከምዘላ ሓቢሩ።

ክኢላ መብጣሕትን ሓፈሻዊ ሕክምና ዓይኒን መንእሰይ ሑሴን ዓብደላ ብግደኡ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ሓኪም ንኹሉ ዓይነት ሕማማት ኣጠቓሊሉ ክርኢ ከምዝጸንሐ፡ በብእዋኑ ዝተመደቡ መንእሰያት ብዝተማህሩሉ ዓውደ-ትምህርቲ ይሰርሑ ብምህላዎም ግን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ጸገም ፍታሕ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ተገልገልቲ እውን፡ ሕክምና ዓይኒ ሆስፒታል ከረን፡ ብቐረባ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣኽኢልዎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

Categories