ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝወደቦ፡ ካብ 2007 ንደሓር ንዝሰላሰል ዘሎ መደብ ምጥፋእ  መሃይምነት ዝግምግም ዓውደ-ዘተ፡ ብ12 ለካቲት ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኻዪዱ።

ቀንዲ ኣትኲሮ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ቊጠባውን ጸገማት ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ ቈልዑ፡ ንኸርክቡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ንምድህሳስን ናይ ቀጻሊ መደባት ንምስኣልን ምንባሩ፡ ኣብ’ቲ ጨንፈር ኣወሃሃዲ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር እስሓቕ ዩሱፍ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ መምህር እስሓቕ፡ ብመደብ “ዓረዮት” ዝፍለጥ – ነቶም ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ከምዘርክቡ ንምግባር ዝወጸ መደብ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ 2007 ኣብ ዓድ እብርሂም፡ ሓዋጉን ኢንገረነን ከምእተጀመረ፡ ኣገዳስነቱ ተራእዩ ንምስፍሑ ብዝተኻየደ ጻዕሪ ድማ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ 62 ነቚጣታት ይወሃብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ዛጊት ኣብቲ መደብ፡ 14,600 ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከባኦም 32 ሽሕ ተመሃሮ ከም ዝተሳተፉን 71 ሚእታዊት ካብኣቶም ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ከምዝሓለፉን ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ተሳተፍቲ ነቲ ዕድል ተጠቒሞም፡ ምስ መዛኑኦም ኣብ’ቲ ስሩዕ ትምህርቲ ክጽንበሩ ባይታ ተጣጢሕሎም ከምዘሎ ኣነጺሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 407 ነቚጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ናይ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ስራሓት ይሰላሰል ከምዘሎ እውን በሪሁ።

ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ጅምዕ መሓመድ፡ ንኡሳን ዞባታት ንመደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ልዑል ኣተኲሮ ክህባኦ ተላብዩ።

Categories