ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ 16 ለካቲት 2018 ቊጽሪ 1468 ሕታሙ፡ “ናይ ዶብ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተ ይካየድ ኣሎ” ክብል ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ወረ ኣጋዊሑ ኣሎ።

እቲ ጋዜጣ ወሲኹ፡ “ወግዓዊ ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ብኣዝዩ ልዑል ምስጢር ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ትማሊ ካብ ስልጣን ዝወረደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ-ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ርክብ ንምክያድ’ውን መደብ ነይሩ።” ክብል ኣስፊሩ።

ነዚ “ንዕኡ ጥራይ ከምዝተመጠወ” ዝጠቐሶ ስ’ኑዕ ወረ ተኣማኒ ንምምሳል’ውን፡ እቲ ጋዜጣ፡ “ባዕላዊ ተበግሶ” ብምውሳድ ነቲ ጉዳይ ኣንቂሎም ይዀኑ እዮም ናይ ዝተባህሉ “ስሙያት” ሰባት ዝርዝር ጠቒሱ።

ጋዜጣ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ሓሶት ወረን ትንታነን ብዛዕባ ኤርትራ ዘጋውሕ ዘሎ፡ እዚ ናይ ፈለማ እዋን ኣይኮነን። ነዚ ናይ ሕጂ ስ’ኑዕ ናይ ሓሶት ወረ ንምግዋሕ ዝተመርጸ ግዜ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ኪኖኡ ዘሎ ስቱር ዕላማ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ጋዜጣ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ – ንኣንበብቱ ገለ ክብረት ክህብን፡ ካብ ምእንጋድን ምስሳይን ከም’ዚ ዝበለ ንዕዳጋ ዝግበር ናይ ፈጠራ ሕሱር ምኽንያታት ወይ’ውን እከይ ኣጀንዳታት ዝጋዋሕ ናይ ጥንቈላ ወረ ክሕየብን የዘኻኽር።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ – 17 ለካቲት 2018

Categories