ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ብ’ማዕከን መጽናዕቲ ኤርትራ’ ተመዊሎም ኣብ ዝተዳለው 13 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ብ16 ለካቲት – ኣብ ኣዳራሽ ሃኮሰኤ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ዝካየዱ ምርምራት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንዝረኣዩ ጸገማት ኣብ ምንጻርን ፍታሕ ኣብ ምምጻእን እወታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

እቶም መጽናዕታዊ ምርምራት ብቐንዶም፡ ምስ ናይ ሃገርና መደባትን ፖሊሲታትን ልምዓት ክሳነዩ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር ድማ፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከብ ዓቕሚ-ሰብ ምስ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ጸዊዑ።

ኣቦ-መንበር ማዕከን መጽናዕቲ ኤርትራ ፕሮፌሰር ዘመንፈስ ጽገ፡ ቀዳምነታት ሃገር ኣብ ግምት ዘእተዉ መጽናዕትታትን ምርምራትን ምክያድ፡ ካብ ቀንዲ መደባት ናይ’ቲ ማዕከን ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ- ዘተ፡ ህልው ኣጠቓቕማ ዘርኢ ስገምን ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባቡን፡ ሜላ ኣከዛዝና እኽሊን ሰኣን ኣተሓሕዛ ከጋጥም ዝኽእል ብኽነትን፡ ኣብ ገማግም ባጽዕ ዝርከብ ጻህያይ ባሕርን ረብሓታቱን፡ ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝተዳለዉ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም።

ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ካብ ዓሌት ሻርክ ዝኾኑ ዓሳታት፡ ኩነታት ገማግም ባሕሪ፡ ንካንሰር ጡብ፡ ሕማም ምንፍርፋር፡ ህይወታዊ ብዙሕነት ኣብ ወሽመጥ ዙላ፡ ንስነ-መሬትን ኣኻውሕን ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ዝዳህሰሱ መጽናዕታዊ ጽሑፋት’ውን ቀሪቦምን ተዘትዩሎምን።

Categories