ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ዳይረክተራትን ሱፐርቫዘራትን ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምሕያል ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዘተኰረ ርክብ፡ ብ8 ለካትቲ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ተስፋይ ስብሃቱ፡ ተመሃሮ ጻዕራማትን ተወዳደርትን ክኾኑ – ተራን ዝምድናን መማህራንን ወለድን ክሕይል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ጠንቂ ምትራፍን ትሑት ተሳትፎን ተመሃሮ፡ ኩነታት ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ምክትታል መስርሕ ትምህርቲ ዝብሉ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩሎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ቀላሲ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን መምህር ስለዝኾነ፡ ዓቕሚ መማህራን ንምሕያል ስልጠናታት ክወሃብ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ዘለዉ ተመሃሮ ብቑዕ ፍልጠት ሒዞም ንኽሓልፋ ውሁድ ጻዕሪ ክካየድ. . . ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ትሑት ውጽኢት ተመሃሮ ዝፍወስ፡ መማህራንን ወለዲን ብሓባር ምስ ዝሰርሑ ብምዃኑ፡ ዘጋጥሙ ጸገማት ብውህደት ንምፍታሖም – ጻዕርታት ኪካየድ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ 14 ናይ ቅድመ- ትምህርቲ ዝርከባአን 39 ትካላት ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories