ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክሳብ 2030 ዓመተ- ምህረት ክውቃዕ ዝተወጠነ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማር ዝሕግዝ መርሓ-ጐደና፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ኦሮታ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓንጺጹ።

እዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝተዳለወ መርሓ ጐደና፡ ኤርትራ ኣብ ምስማር ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ጽቡቕ ገስጋስ ካብ ዝገብራ ዘለዋ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃና፡ ንትግባረ’ቲ ሸቶታት ዝሕግዝ ሓፈሻዊ መርሓ-ጐደና ንምስኣል፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማት ቅድመ-ምድላዋት ንምግባርን ፍታሕ ንምቕራብን ዝሕግዝ’ዩ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዳይረክተር ስርዓተ- ጥዕና ዶክተር ደላንዮ ዶቭሎ – ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሓደ ካብ’ቲ ክብጻሕ ዝድለ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ‘ምርግጋጽ ጥዕና ኣብ ኩሉ ዕድመ’ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ንምውቃዕ ዝሕግዝ ፖሊሲታት ምርቃቕ፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ብድሆታት ቅድመ- ምድላዋት ምግባር፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2030 ክብጻሕ ተወጢኑ ዘሎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ኣፍልጦኡ ከምዝዓቢ ምግባር፡ መሰረታዊ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ንሚኒስትሪ ጥዕና ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ድማ፡ እቲ ተነዲፉ ዘሎ መርሓ-ጐደና፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ብውህደት ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዓለም-ለኻዊ ሸፈነ ጥዕናን ምስማር ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስ ጆሶፊን ናምቦዘ ብወገና፡ ኤርትራ ኣብ ሸቶታት ሚለንዩም ንዘመዝገበቶ ዓወታት ብምሕባር፡ ወጺኡ ብዘሎ መርሓ-ጐደና፡ መደባት ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ምዕዋት ጽቡቕ ከምእትግስግስ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ፡ ናይ ጥዕና ዝርከቦም 17 ሸቶታትን ምስኡ ዝተሓሓዙ 169 ዕላማታትን የጠቓልል።

እዞም ሰፋሕቲ ዕማማት፡ ብብቕዓት ንኽትግበሩ ዓበይቲ ናይ ምወላን ቀዳምነታትን ጉዳያት ከምዘለዉ ድማ ዝሰሓት ኣይኮነን።

Categories