ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም እስማዒል መሺሾ (ኣመሪካኒ)፡ ትማሊ 15 ለካቲት ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ።

ኣብ 1959 ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ – ሓራካ ዝተጸንበረን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት መሪሕነት ዘገልገለን ተጋዳላይ ኢብራሂም እስማዒል፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ናይ’ቲ ውድብ፡ ከም ኣባል ማእከላይ ባይቶን ጠቕላሊ ኦዲተርን ኮይኑ ዝተመርጸ’ዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም፡ ከም ወኪል ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ሃገረ ኩወይት፡ ከምኡ’ውን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ስሙር ውድብን ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያትን ኮይኑ’ውን ክሳብ ዕለተ ናጽነት ብተወፋይነት ኣገልጊሉ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ንምስታፍ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ ሰሪሑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ከም ኣካያዲ ስራሕ ቤት-ጽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራ ብምዃን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።

ስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ዓርቢ 16 ለካቲት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ኣመሪካኒ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories