ነበርቲ ዳዕሮ-ጳውሎስ – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ናብ ዓዶም ዝኣቱ ንተሽከርከርቲ ከጸግም ዝጸንሐ ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸጊኖም።

እቲ መስመር ንዕለታዊ ንጥፈታቶም ብኣሉታ ጸልይዎ ምጽንሑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ – ኣቶ ፍጹም ኣርኣያ፡ እቲ ስራሕ እኹል ዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪን ብምውፋር ከም እተዓመ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ስራሕ፡ ኩሉ ነባሪ ብተወፋይነት እጃሙ ከም ዘበርከተ ብምምልካት፡ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ማእከል ተሪፉ ንዘሎ ደጋፊ መንደቕ ንምስራሕ ክሕግዞም ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ድማ፡ ነበርቲ ዳዕሮ-ጳውሎስ እቲ መደብ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንዘርኣይዎ ውፉይ ተሳትፎ ብምምጓስ፡ እቲ መስመር ንዓድታት ምስጋድን ዓዲ-ባዃዃይን እውን ስለዘገልግል ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories