ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ገርሰት፡ ኣብ ልምዓት ፍረታትን ኣሕምልትን ደሓን ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓደ ሽሕ ሄክታር ልዕሊ 30 ሽሕ ኣግራብ ኣራንሺ፡ ማንጉስ፡ ግሬን፡ ለሚን፡ መንደሪን፡  ፓፓዮ፡ ዘይቱንን ተምሪን ተተኺሉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ፡ ካብ ኣካየድቲ ናይ’ቲ ስራሕ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ 60 ሄክታር ዝተተኽለ ኮሚደረ እውን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ፡ መዓልታዊ ድማ 5000 ኩንታል ኮሚደረ ናብ ፋብሪካ ሳልሳ ኣለቡ ብምልኣኽ፡ ብመልክዕ ሳልሳ ይዳሎ ከምዘሎ፡ ኣብ ፍርያት ሽጉርቲ እውን ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተራእየ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ተወሳኺ 230 ሄክታር ንምልማዕ፡ መደብ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ።

ኪኖ’ቲ ብመስኖ ዝለምዕ ዘሎ መሬት፡ ብዝናብ ክራማት ዝተፈላለየ ኣእካል ከምዝዝራእ፡ ኣብ ፋንኮ-ራዊ፡ ፋንኮ- ጽሙእን ዓድ-ዑመርን ድማ ብክኢላታት ሕርሻ ዝምራሕ ብህዝቢ ዝለምዕ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ፕሮጀክት ሕርሻ ገርሰት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝነብሩ ሓረስቶት ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣሩ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ 1,500 ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ናይ’ቲ ፕሮጀክት ይሰርሑ ምህላዎም ተፈሊጡ።

Categories