ኣብ ምምሕዳር ከባቢ በለዛ – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ብ12 ለካቲት መስርሕ ምዕዳል መሬት ጤሳ ተኻዪዱ።

ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ምዕዳል፡ 344 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1079 ዜጋታት ከም እተዓደሉ ዝገለጸ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል – ኣቶ መኮነን ማኢል፡ ዘይተዓደሉ ድማ እቲ ዘድሊ ቅጥዕታት ምስ ኣማልኡ ክዕደሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ዓንደማርያም መለስ ብወገኑ፡ ንኹሎም ኣብ መስርሕ’ቲ ምዕዳል ጤሳ ዝተሳተፉ ኣካላትን ሽማግለታት ዓድን ብምምስጋን፡ ካብ’ዚ ምዕዳል ዝተረፉ እንተለዉ ሰነዳቶም ከጻፍፉ ኣዘኻኺሩ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ምምሕዳር ከባቢታት እምበይቶ፡ ዓደምዘማትን ላጔንን 1605 ዜጋታት መሬት ጤሳ ከም እተዓደሉ ይዝከር።

Categories