ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይሊን ዓዲ-ዃላን፡ 75 መንእሰያት – ብዝተፈላለዩ ዓውደ-ሞያታት ናይ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝሰልጠና ወሲዶም ተመሪቖም።

እቶም መንእሰያት፡ 15 ካብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ 60 ድማ ካብ ንኡስ ዞባ እምኒ- ሓይሊ ኮይኖም፡ ብምርባሕ ንህቢን ደርሁን ከምኡ’ውን ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ እዮም ብግብሪ ዝተሰነየ ትምህርቲ ወሲዶም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስልጠና፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ መንእሰያት ኣብ ከባቢኦም ክፈጥርዎ ንዝኽእሉ ዕድላት ሽቕለት ብምግንዛብ ማሕበር ከድምዑሉ ኣብ ዝኽእሉ ዓውዲታት ሞያ ስልጠናታት ንምሃብ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ብዝቐሰምዎ ሞያ ናቶም ዋኒን ክኸፍቱ ናይ ልቓሕ ዕድላት ተራሕዩሎም ከምዘሎ ድማ ኣንፊቱሎም።

ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ዃላን እምኒ-ሓይሊን ንምርባሕ እንስሳ ብሓፈሻ ንምርባሕ ንህቢ ድማ ብፍላይ ምቹእ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብዚ ኣርባሒ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ንኸድምዑ – ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ክሕግዞም ምዃኑ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን፡ መንእሰያት ኪንዮ’ቲ ዝቐስምዎ ትምህርቲ፡ ተበግሶታት ወሲዶም በብዝንባለኦም ከበርክቱን ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ብንጥፈት ክዋስኡን ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳራት ድሌታቶም ንምምላእ ምድግጋፍ ከምዝገብራ ኣረጋጊጹ።

Categories