ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ፋብሪካ መፍረ ውጽኢት ፕላስቲክ ኤርትራ፡ ኣብ መጠንን ብቕዓትን ፍርያቱ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ፋብሪካ ኣቶ መሓሪ ሰጊድ ገሊጹ።

ኣቶ መሓሪ፡ እቲ – ንሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ንሕርሻዊ ልምዓት፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን መእለዪ ረሳሕ ፈሳስን ዝውዕል ሻምብቆታትን ጎማታትን ማይ ንምፍራይ – ኣብ 2007 ዝተደኰነ ፋብሪካ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተመሓየሸ መሳርሒታትን ንዓኡ ዝመልኽ ዓቕሚ-ሰብን ወኒኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቲ ፍርያት፡ ደረጃኡ ዝሓለወ ምዃኑ ብግብሪ ከም እተመስከረን፡ ንጸቕጢ ማይን ዝተፈላለየ ኩነታት ኣየርን ዘለዎ ተጻዋርነት ብግቡእ ተገምጊሙ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕልን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ኣገልግሎት ውዒሎም ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾኑ ሻምብቆታት ማይ – ዳግማይ መስሪሕካ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕሉ ምግባር፡ ካልእ እቲ ፋብሪካ ዝነጥፈሉ ዘሎ ኣገዳሲ ስራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ መሓሪ፡ ዳግመ-ምምስራሕ ረብሓታቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ዝበዝሑ ኣባላት’ቲ ፋብሪካ መንእሰያት ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ንምውርራስ ተመኲሮ ዓቢ ኣተኲሮ ከምዝህብዎ ገሊጹ።

ፋብሪካ መፍረ ውጽኢት ፕላስቲክ ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ንዝሰላሰል መደባት ልምዓት፡ ንሓረስቶትን ንግዳውያን ትካላትን እውን ፍርያቱ ከምዘቕርብ ይፍለጥ።

Categories