ተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም።

ኣብ’ቲ መማህራንን ኣለይትን እውን ዝተሳተፍዎ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ፡ ተልእኾን ዕማማትን ፖሊስ ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ንቕሓቶም ኣብ ሕጊ ብምዕባይ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዛይዱ ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚት መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ተለንተ ሓረጉ መንግስትኣብ እውን፡ ተመሃሮ ብሕግን ስነ-ምግባርን ክመላለሱን ኣብ ትምህርቶም ተዋዳደርቲን ኣብነታውያንን ክኾኑን ትጽቢት ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣገንዚባ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ዞባ ደቡብ ሜጀር ወልዱ ዘወልዲ ንተቐማጦ ከተማ ዓዲ-ዃላ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ – መሰረት ካብ ስድራ-ቤት ስለዝኾነ፡ ወለዲ ባህሪያት ደቆም ብግቡእ ክከታተሉን ኣርኣያ ብምዃን ካብ ሕማቕ ስነ-ምግባር ክኣልዩዎምን ተላብዩ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ፎሮ ካፒቴን በራኺ ተኽለማርያም እውን – ምስ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ፎሮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሕጊ ትራፊክ ናይ ዝጥሕሱ መራሕቲ መካይን ቁጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ብምዝኽኻር፡ ዜጋታት ጥንቃቐ ከዘውትሩ መኺሩ።

Categories